ትግርኛ / Tigrinya

ድሕሪ ናይ የማናዊ-ክንፊ፡ ዓሌታዊ ወይ ጸረ-ኣይሁዳዊ መጥቃዕቲ እንታይ ክትገብሩ ኣለኩም?

response ማእከል ምኽሪ ነቶም ዝተተንከፉ ሰባት፡ ኣብ መላእ ኣውራጃ ሀሰ ዝዓዪ ኮይኑ ንግዳያት ናይ

  • የማናዊ-ክንፊ፡ ዓሌታዊ ወይ ጸረ-ኣይሁዳዊ ጎነጽ ይድግፍ፡ የሰንን ይመክርን እዩ

  • ኣዝማድ

  • ኣዕሩኽ

  • ደገፍቲ

  • መሰኻኽር

response ብኸመይ ክሕግዝ ይኽእል?

response እንተደሊኹም ኣኣብ ቦትኡ ኣብ መላእ ኣውራጃ ሀሰ ናጻ፡ ምስጢራውን፡ ስም ዘይጠቅስን ምኽሪ ይህብ።

እቲ ምኽሪ ብናጻ እዩ። ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ ኣስተርጎምቲ ክንቅርብ ኢና።

ኣብ ርእሲ ካልእ ነገራት

  • ናይ ኦንላትይን ከምኡ ድማ/ወይ ገጽ-ንገጽ ዝርርባት ነቕርብ

  • ናይ ክሕሳ ክፍሊታት ክትረኽቡ ንሕግዘኩም

  • እንተጠሊብኩም ናብ ቆጸራታት ነሰንየኩም

  • እንተጠሊብኩም ናይ ህዝባዊ ርክባት ኣገልግሎት ንህበኩም

response ብኸመይ ክርከብ ይኽእል?

ንርከበሎም ዝርዝራት ሓበሬታ

ቤት-ጽሕፈት Frankfurt am Main

kontakt@response-hessen.de

069 - 348 770 530

ቤት-ጽሕፈት Kassel

kassel@response-hessen.de

0561 - 729 897 00